Showing posts with label ፍቕሪ እግዚኣብሄርስ. Show all posts
Showing posts with label ፍቕሪ እግዚኣብሄርስ. Show all posts

Wednesday, August 8, 2012

ፍቕሪ እግዚኣብሄርስ…

ሓደ ሓደ ሰባት ኣዳም ካብ ገነት ብምብራሩ ከም ቅፅዓት ጥራሕ ገይሮም ይሓስብዎ፡፡ ኣቦና ቅዱስ ኤፍሬም ወዲ ሶርያ ግና፡- “አዳም ካብ ኤደን ገነት ዝወፅአስ ብፍቕሪ ኣምላኽ እውን ደኣ ‘ምበር በቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ ጥራሕ ኣይነበረን” ይብለና፡፡ “ከመይሲ ኣዳም ምስ ኣበሰ ካብ ገነት እንተዘይባረር ነይሩ ምስ ርስሓቱ እንዳሃለወ እታ ናይ ሂወት ኦም ምበልዐ ነበረ፡፡ እዚኣ በልዐ ማለት ከዓ ካብ ርስሓቱ እንተይፀረየ ማለት እውን ምስ ጉድለቱ እንዳሃለወ ናብ መንግሥተ ሰማይ ምኣተወ ነይሩ፡፡ ንዘላኣለም እውን ጐዶሎ ምኾነ ነበረ፡፡ ኮይኑ ግና ጐይታ ኣፅርዩ ከእትዎ ስለ ዝደለየ ክሳብ ባዕሉ መፂኡ ዘፅርዮ በቲ ቅኑዕ ፍትሑ ካብ ገነት አውፅኦ፡፡ ጊዜኡ ምስ በፅሐ ውን ባዕሉ መፂኡ ሥጋኡን ደሙን ናይ ሂወት ኦም ገይሩ ሃቦ’ሞ ነቲ ብልቡ ዝሐዘነ ኣዳም ናብ ናይ ቀደም መንበሪኡ መለሶ” ይብለና!!
እሞ እቲ ፍቕሪ እግዚአብሔርስ ዋላ ኣብቲ ንዓና ሕማቕ ዝመስለና ሃዋህው እውን ምህላዉ ኣየግርምን ዶ ትብሉ?

FeedBurner FeedCount