Friday, January 3, 2014

ትምህርቲ ኖሎት



ብዲ/ን ፅጋቡ ወልዱ

(መቅረዝ ዘተዋሕዶ፣ ታሕሳስ ፳፮፣ ፳፻፮ ዓ.ም. ግእዝ)፡- በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅደስ አምላክ

 ነገራት በብጊዜኦም ከፋፋሊት፣ ከም ውሕሉል ከሻኒ ምግቢ በብመልክዕ ንሐንጎልና ብዝምጥን መንፈሳዊን እዋናውን አስተምህሮ ምምሃር ልማዳኾነ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን በብሰሙኑ ነናይ ባዕሎም ትምህርቲ ሰናብቲ እትውንን ተመርሚራ ይትውዲእ ቤተክርስቲያን እያ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፅልመት ዓለምወገድ ሐቀኛ ብርሃን ነብያት ተስፋ እንዳገበርዎ ከምዝነበሩን ፅልመት ዓለም ንከወግድ ከምዝመፀ ብሐፂሩ ተመልኪትና ነይርና፡፡ ሎሚ ድማ ቅድሚ ልደት ካብ ዘለው ሰለስተ ሰናብቲ እቲ ሳልሳይ ማለት እውን ኖሊዊ ተባሂለ ስለእትፍለጥ ሰሙን ክንመሃሃር ኢና፡፡


ኖሊዊ ማለት ብቀጥተኛ ትርጉሙ ጓሳ፣ ሓላዊ ማለት እንትኾን፣ ኖሎት ማለት ጓሶት፣ ሐለውቲ ማለት እዩ፡፡ ትምህርተ ኖሎት ማለት ስለ ጓሶት ወይም ስለ ሐለውቲ ምንነት እንመሃሃረሉለ ክፍሊ ትምህርቲ እዩ፡፡
ልበ አምሊክ ንጉስ ዲዊት ንቲ ሕያዋይ ጓሳና ንእግኢአብሔር “--- ሐላዊ እስራኤል ስማዕ፣ አብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ ተገለፅ ---” /መዝ.80:1-5/ ብምባል ናይ እስራኤል ሐላዊን አብ ኪሩቤል ዝቕመጥን እግዚአብሔር ንክግለፅ ቅድሚኡ ከምዝነበሩን፣ ብድሕሪኦም ከምዝተኸተለን ካልኦት ነብያትን ዕለታዊ ጸሎቱ ብምግባር እቲ ሕያዋይ አምላኽ ንክግለፅ ይፅልይ ነበረ፡፡ ፅድቆም ከምፅድቂ፣ ሰናይ ግብሮም ከም መንገዲ ፅድቂ እንተይኮነስ ብሰንኪ ውድቀት አዳም አብ ልዕሊ አዳማውያን ዝሰልጠነ ሞት ስለዝሰዓሮም ኩሎም ብፍርሒን ብጭንቀትን ባዶነት እንዳተሰመዖም፣ ካብቲ ሕያዋይ ጓሳ ርሒቖም ይነብሩ ብምንባሮም ከቂ ሐደ ልቢ ነብያት ብዘይ ምቁራፅ ምግላፅን ምምፃእን እቲ ሕያዋይ ጓሳ ተስፋ ብምግባር ይነብሩ ነይሮም፡፡
አብቲ ዕለት ዝንበቡ ምንባባት ኮነ ዝወሃብ አስተምህሮ አብቲ ዕለቱ አብ ቅዳሴ ሰዓት ሊቃውንቲ ከምህሩና እዮም፡፡ ንሕና ድማ ናይቲ ሕያዋይ ጓሳይና፤ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጓሳነት፣ ባህርያቱን ምስ ካልኦት ጓሳ ብምባል ዝፍለጡ ጓሶት ዘለዎ አፈላላይ ክንመሃሃር ኢና፡፡ እቲ ይታኸስ ሕያዋይ ጓሳይና ከይንስሕትን ከይንጠፍእን ይሐልወና፤ ምስጢሩ ገሊፁ ድማ የብርሀልና፡፡
አብዚ እንነብረሉ ዓለም ጓሰይቲ ብምባል ዜፍለጡ ምድራውያን ጓሶት ክልተ ብምጥቃስ ምስቲ ሕያዋይን ይታኸስስ ጓሳይና ብምንፅፃር ክንምልከት ኢና፡፡ እቶም አብዚ ፅሑፍ እዙይ ክንምልከቶምሐረኽዎም ጓሶት እዝም ዜስዕቡ እዮም፡-
1. ነገስታት - ጓሰይቲ ህዝቦም
2. ጓሶት እንስሳት
3. ሕያዋይ ጓሳ ጎይታና መድሐኒና ኢየሱስ ክርስቶስ /ዮሐ10:14-15/

ባህርያት ቅኑዕን እሙንን ጓሳ ብሐፈሻ

1. ንአባጊዖም አድሊይ በለ ኩለ ይህቡ (ዘብልዕንስትን ኩሉ)
2. አብ ልሙዕ ሜዲ የሳማርይዎም (መዝ 22)
3. ርግዕ አብዝበለን ራብሻን ዕግርግርን አብዘይብሉ፣ ዓለቕቲ አብዘይርከበለ ሩባ ጥሪቶም የውፍር
4. ወእለ ዘተርፈ
 እቶም ክልተ ጓሶት ማለት እውን ሐለውቲ ጥሪትን ነገስታትን ስለ ጥሪቶምን ህዝቦምን ብዙሕ ይጭነቑ፣ ብዙሕ ይደኽሙ፣ ብዙሕ ይሐስቡን ብዘሕ መከራ ይቕበሉን እዮም፡፡ ኮይኑ ግና ምስቲ ሕያዋይን ትኻስ ከይብሉን ንኩሎም ፍጥረታቱ ዝጓስይን አምላኽ እንትወዳደሩ፤ ጓስነቶም አብ ሕቶ ምልክት ዝኣቱ ኩነታት ኢና እንምልከት፡፡ ጓስነት ጎይታናን መድሐኒትናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቶም ጓሶት ብምባል ዝጠቐስናዮም ዝፈልይዎ ጉዳያት ካብዚ ብምቕፃል አሕፅር አቢልና ክንምልከት ኢና፤ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ምስጢሩ የብርሀልና፡፡

1. ጎይታና ስለ አባጊዑ ነፍሱ ዝገበረ ጓሳ እዩ

አብ ታሪክ ሐደ ንጉስ ስለ ህዝቡ፣ ወይም ጓሳ ጥሪት ስለ ጥሪቱ ክሞት አይተመልከትናን፣ አይሰማዕናን እውን፡፡ ምናልባትባዕሉ ከትርፍ ሰራዊቱን ህዝቡን፣ ንባዕሉ ከትርፍ ጥሪቱ አሕሊፉ ዝሃበ ግን አይሰአንን፡፡ አብ ታሪክ ኢትዮጵያ ስለ ህዝቡ ዝሞተ ወታደር እምበር ንጉስ አይረአናን፡፡ ሐላዊ ጥሪት እውን እንተኾነ አይግነን፡፡
እቲ ሕያዋይ ጓሳ ጎይታና መድሐኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ስለ አባጊዑ ብፍቓደ ሞተ፣ አብ ልዕሊ መስቀል ድማ ተሰቐለ፡፡ ማንም ዘይኽእሎ ሐያል አምላኽ አብ ቅድሚ ከስተንቱ (ሐረድቱ) ከምዘይዛረብ በጊዕ፤ አፉ ከይከፈተ መከራ መስቀል ተዓጊሱ ፈራዲ አምላክ አብ ቅድሚ ምድራውያን ፈረድቲ ቆይሙ እቲ ናይ ሐሶት ፍርዶም ከይተቓወመ ንሞት ተዓገሰ፡፡ ሞትና ወሲዱ ህይወቱ ሃበና፣ ስንፍናና ወሲዱ ብርትዕንኡ ሀበና (ኢሳ 53)፡፡ ቅደስ መፅሐፍሕያዋይ ጓሳ አነ እየ፤ --- ነፍሰይ ድማ ስለ አባጊዐይ ከወፊ እየከምዝበለና /ዮሐ.10:14-15/፡፡ ብምቕፃል ድማ "ስለ ፈተውቱ ዓርሱ አሕሊፉ ካብ ምሃብ ዝዓቢ ፍቕሪ የልቦን" /ዮሐ.15:13/ ብምባል እቲ ዝዓበየ ፍቕሪ አምላክና ከምዝፈፀመልና አምሂሩና እዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ሕያዋይ ጓሳይና መወዳድርቲ ዘይግነየሉ ጓሳ፣ ዘለኣለማዊ ጓሳ፣ ጓሳ ዘይብሉ ጓሳ እዩ፤ ብዙይ ድማ ፍሉይ ጓሳ ይበሃል፡፡

2. ጎይታና ቅድሚ አባጊዑ ዝሐለፈ (ዝሞተ) ጓሳ እዩ

አብ ታሪኽ አብ ዝኾነ እዋን ካብ ምድራውያን ነገስታት ቅድሚ ሰራዊቶም ዝሓለፉ (ዝሞቱ) አይተረአዩን አይተሰምዐን፡፡ ሃፀይ ቴድሮስ ሰራዊቶም ምስ ተሸነፉን ተስፋ ምስ ቆረፁን፣ ብጅግንነት ባዕሎም መስዋእቲ ኮይኖም እዮም፤ ዝገርም ጅግንነት አብይኒ ምድራውያን፡፡ ጓሳ ጥሪት እውን እንተኾነ ክከላኸል ሞኪሩ እንተድኣ ዘይተሳኪዑሉ እግረይ አውፅእኒ ክሃድም እምበር፤ አባጊዑ ሰንዩ አነ ክሞት አባጊዐይ ግደፍወን አይክብልን፡፡
አብ ገድለ ጊዮርጊስ ካብ እንመሃሮም - ንጉስ ቤሩት (ናይ ቤሩታዊት አቦ) ዝነበረ ሐደ ንጉስ ድራር ድራጎን ንክትኮን ጓሉ አሕሊፉ ሂቡ ምንባሩ ንርኢ፡፡ ዝድነቕ ነገር እኳ እንተኾነ፤ እዚ ንጉስ እዚ ቦኽሪ ኩሎም ህዝብታት እታ ዓዲ ምስተወደአን እቲ ህዝቢ ሐዲግናካ ክንከድ ኢና ምስበለዎን እዩ ጓሉ ድራር ድራጎን ትኹን ኢለ ዝፈረደ፡፡ ስለዚ ብምንም ዓይነት መንገዲ ሐደ ንጉስ ወይም ጓሳ ጥሪት ንባዕሎም አቐዲሞም ክሞቱ አይተረአየን፡፡
እቲ ሕያዋይ ጎይታና ግን ደቀ መዛሙርቱ አፋንዩ ንባዕለ አሕሊፉ ሂቡ፤ ስቐሉኒ ሐዙኒ ኢሉ ደቀ መዛሙርቱ አድሒኑ ንባዕለ ሞይቱ እዩ፡፡ “---ኢየሱስ ድማ እቲ ዝመፁሉ ኩለ ፈሊጡ መን ኢኩም ደሊኩም? በሎም፤ ኢየሱስ ናዝራዊ ኢሎም መለሱሉ፡- ኢየሱስ አነ እየ በሎም፤ አሕሊፉሃቦ ይሁዳ ድማ ምስኦም ቆይሙ ነበረ። አነ እየ ምስበሎም ንድሕሪት አፈግፊጎም ናብ ምድሪ ወደቑ። ደጊሙ ንመን ኢኩም ደሊኩም? ኢሉ ጠየቖም። ኢየሱስ ናዝራዊ በሉሞ፤ ኢየሱስ መሊሱ ንዓይ እንድሕር ትደልዩ እዙኦም ይኺዱ ግደፍዎም በሎም፤ እዙይ ድማ ካብቶም ዝሃብካኒ ሐደ እኳ አየጥፋእኹን ዝብል ቃል ንክፍፀም እዩ።” (ዮሐ.18:4-9)
እወ! ጉይታናን መድሐኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ አምላከ አማልክት፣ ንጉሰ ነገስት፣ ፈጣሪ ዓለማት፣ ነገስታት ክቐትል፣ ዓለም ከሕልፍ ስልጣን አብ ኢዱ ዝኾነ አምላኽ ብምዃኑ ሞት ዝፍረደሉ አምላኽ አይኮነን፤ የግዳስ ፈራዱ ድኣ እምበር፡፡ ናይ ሞት ሞት ንዝሞተ አዳም ንከድሕን ስጋ አዳም ተዋሃደ፤ በፍቓዱ ሰብ ኮይኑ ሞት አዳም ሞተ፡፡ አዳም ብሞት ተሸኒፉ ነበረሞ ንሱ ብሞቱ ንሞት አሸኒፉ አብልዕሊ ሞት ከሰልጥኖ ስለዝፈቐደ ንሞት ተገዙኡ ሞይቱልና እዩ፡፡ አብ እዋን ሞቱአነ እየምስ በሎም እቶምክቐትልዎ፣ ክሕዝዎ” ዝመፁ ሰባት ንድሕሪት ተንደርዲሮም ወዲቖም እዮም፤ ሐያል አምሊኽ ስለኾነ፡፡ ኮይኑ ግና አባጊዑ ካብ ሞት ሰዊሩ ንባዕሉ ንሞት ተሰናደአ፡፡
ክርስቶስ ብምእማን ንክርስቶስ ዝተኸተሉ ናይ ሃዋርያት፣ ሰማዕታትን ካልኦት ቅዱሳንን ሞት ድሕሪ ሞት ጎይታና እዩ፡፡ ዝተሸነፈ ሞት፣ ዕረፍቲ ዝተባሃለ ሞት እዩ ሞት ቅደሳን፤ አቐዱሙ ብሙማት ሞት ስለዘሸነፈልና ሞትና ህይወት እዩ፤ ቅደስ ጳውሎስ ክኸድ ምስ ክርስቶስ ክነብር እናፍቕ አለኹ ብምባል ከምዝተናገሮ፡፡ እዚ ሕያዋይ አምላኽ አቐዲሙ ሞይቱ መሕደሪ አጋጂዩ እዩ ንቶም አባጊዐ ወሲድዎም፡፡ ፍሉይ ጓሳይና ኢየሱስ ክርስቶስ ይኽበር ይመስገን፡፡

3. ጎይታና ብቶም ዝጓስዮም አባጊዕ ዝብላዕ ጓሳ እዩ

ጓሶት ጥሪት አባጊዖም እንተሐለው፣ ስለ አባጊዖም እንተተጨነቑ እንተነአሰ ዓመት በዓል ሐልዮም ሐሪዶም ይበልዑ፣ ዓለባ እንተድልዮም፣ ንጨው ንበርበረ ጥሪቶም ሸይጦም ይዕንገሉ እዮም፡፡ ነገስታት እውን እንተኾነ ስለ ህዝቦም ድቃስ ይስእኑ፣ ብዙሕ ይደኽሙ፣ ብዙሕ ይጭነቑ እዮም፡፡ ኮይኑ ግና ይትረፍዶ ስገኦም ክህቡስ ንባዕሎም ከይበልዑ አይሐድሩን፡፡ ህዝቢ ይብላዕ አይብላዕ፤ የግዳስ ስለ ነገስታት ምግቢ ህዝቢ ይጭነቕ እምበር፡፡ ሰብ ኩለ አብ ቅድሚ ነገስታት ሞገስ ነከግኒ ጉምብሕ ጥልዕ እንዳበለ ዝበልዕዎን ዝሰትይዎን ንከዘጋጅወሎም፣ ገዝኡ አትዮም፣ ገንቦ ተቐቢሎም ክዕንገሉይፈቱ ሰብ የልቦን፤ ስለዝኾነ ድማ ደስበሎም ነገር ብደስ ዝበሎም ሰብ ከፈፅሙ ይክእሉ እዮም፡፡ ዋላ ቅኑዓት ይኹኑ ሐቂ ድራሮም፤ ዝመፀ እንተመፀ ድራሮም አሕሊፎም ግን አይክህቡናን፤ ምናልባት ጉቦ አይክወስዱን፣ ንብረት ህዝቢ አይከጠፋፍኡን እምበር፡፡
እቲ ሕያዋይ ጓሳይና ግን፤ ብዘይ ምንም ክፍለት፣ ብዘይምቁራፅ ዕለት ዕሇት ስግኡን ደሙን ይምግበና፡፡ ሐንሳብ በሊዕኻዮ ዘየጥሚ ሐንሳብ ሰቲካዮየፅምእ መብልዕን መስተን ይምግበና፡፡ ዕለት ዕለት ብአባጊዑ ዝብላዕ ጓሳ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶብ ጥራሕ እዩ፡፡
እንጀራ ህይወት አነ እየ፤ አቦታትኩም አብምድረበዳ መና በልዑ ሞቱ ግን፤ ወዲ ሰብ በሊዕዎ ንከይሞት ካብ ሰማይ ሕዚ ዝወረደ እንጀራ አነ እየ፡፡ ሰብ ካብዚ እንጀራ እንተተመጊቡ ንዘለኣለም ይነብር፤ አነ ድማ ስለ ዓለም ህይወት ዝህቦ እንጀራ ስጋይ እዩ።” /ዮሐ.6:48-51/ ብምቕፃል ድማአነ ካብ ዝህቦ ማይ ዝሰቲ ንሐዋሩ አይፀምእን፤ አነ ዝህቦ ማይ አብ ውሽጡ ንሐዋሩ ህይወትመንጩ፡፡ ናይ ማይ ምንጪ ይኸውን እምበር” /ዮሐ.4:14/ ከምዝብል፡፡ ስለዚ እዚ ጌታ እዚ ዝህበና ምግቢ ፍሉይ ምግቢ እዩ፡፡ ግሩም አምላክ ንዓኻ ምስጋና ይኩን፡፡

4. ጎይታና ብዝጓስዮም አባጊዕ ተቐቲሉ ንቐተልቱ ድማ ምሕረት ዝገበረ ጓሳ እዩ

ሐደ ጓሳ ብተዋጋአይ በጊዕ ክሞት ይኽል እዩ፤ በዘይ ፍልጥኡ ተገሪሁ፡፡ ሃፀይ ሃይለስላሴ እውን እንተኾኑ በመንግስቱ ተቐቲሎም እዮም፡፡ ጋዲፊ እውን ብህዝቡ፡፡ ኮይኑ ግና፤ እቲ ጓሳ ጥሪት ይኹን እቶም ብአባጊዖም ዝተቐተሉ ነገስታት ብዘይ ፍልጦኦምን ተገሪሆምን እምበር ፈትዮም ከምዘይሞቱ ምግንዛቡ ዝኸብድ አይክኾንን፡፡ ክሞቱ ፍቓድ አባጊዖም እምበር ፍቓዳቶም ከምዘይኮን ፀሐይ ቀትሪ እዩ፡፡
እቲ ሕያዋይ ጓሳይና ግን ብቶም ዝሕልዎም አባጊዕ ብፍቓዱ፤ ብዝገርም ምሕረት አባ ስረይሎሙ  አቦይ ዝገብርዎ አይፈልጡን እሞ ይቕረ በለሎምኢሉ ይቕረ ኢሉ፤ ንቶም ቀተልቱ ንከድሕን ንሞት ተአዛዚ ኮነ፡፡ ንቶም ቀተልቱ ድማ ፍፁም ምሕረት ገበረሎም፡፡
ወልደ አብ ወልደ ማርያም፤ ፍጹም አምላክ ፍጹም ሰብ ዝኮነ፣ ብተዋህዶ ዝከበረ፣ ጎይታና መድሐኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኖሊዊ ሄርእይነውም (ዘይታኸስ ትጉህ ሐላዊ) ብሕታዊ መድሐኒት፤ ነቢያትተፀበይዎ፣ ነብያት ዝሰበክዎ መሰኻኽር እውን ዝኾንሉ ግሩም አምላክ ብጥንቃቐ ክንፈልጦን ክንክተሎን ይግባእ፡፡ ካብ ጎይታ ዝተፈለየት ነፍሲ ካብ ባሕሪ ከም ዝወፀ ዓሳ እያ፤ ኩለ ጊዜ እዚ ሕያዋይ ጓሳ ብምእማን ምንባርን፤ እቲ ንዕዑ ብምእማን ዝርከብ ፀጋ ብምእማን እቲ እምነት አሚንካ ናብ ዝርከብ ክብሪ ክሳዕ እንሸጋገር ክንፀነዕ ይግባእ፡፡
በዓል ቤት ምስጢር ምስጢሩ ገሊፁ ክንመሃሃር ስለዝገበረና ባህሪኡኾነ ምስጋና ይብፃሐዮ፤ አሜን፡፡
ስብሐት ወክብር ለስሉስ ቅዱስ
ወለወላዲተ አምላክ

ወለመስቀለ ከርስቶስ፡

No comments:

Post a Comment

FeedBurner FeedCount