ብዲ/ን ፅጋቡ ወልዱ
(መቅረዝ ዘተዋሕዶ፣ ታሕሳስ 14፣ 2006 ዓ.ም. ግእዝ)፡- በስመአብ
ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ አሜን!!!
መእተዊ
በቋንቋ ቤተክርስቲያን ወይም ብናይ ቤተክርስቲያን አስተምህሮ ቅድሚ በዓል ልደት
ዘለዋ ሠለስተ ሰናብቲ፡- ስብከት፣ ብርሃንን ኖላዊን ብምባል ይፍለጣ፡፡ ቅድስቲ ቤተክርስቲያ ነገር ኩሉ ብግዚኡ አዝዩ ግሩም ገይሩ
ንዝፈጠረ ኣምላክ ምስጋናአ ብዘመናት ከፋፊላ ምቕራብ ባህሪአ እዩ /መክ 3፣11/፡፡ ሕድሕድ ሰንበት ነናይ ባዕሉ ትምህርቲ ዝሐዘ
እዩ፡፡ ካብተን ሠለስተ ሰናብቲ እተን ናይ መጨረሽታ ክልተ ማለት እውን ብርሃንን ኖላዊን እግዚአብሔር ብዝፈቐዶ መጠን ክንመሃሃር
ኢና፡፡