Monday, December 23, 2013

“ብርሃንካን ሐቅኻን ልአኽ ይምርሑኒ ካዓ ናብ ቅዱስ እምባኻን መሕደሪኻን ድማ ይውሰዱኒ።” መዝ.43:3



ብዲ/ን ፅጋቡ ወልዱ
(መቅረዝ ዘተዋሕዶ፣ ታሕሳስ 14፣ 2006 ዓ.ም. ግእዝ)፡- በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ አሜን!!!
መእተዊ
 በቋንቋ ቤተክርስቲያን ወይም ብናይ ቤተክርስቲያን አስተምህሮ ቅድሚ በዓል ልደት ዘለዋ ሠለስተ ሰናብቲ፡- ስብከት፣ ብርሃንን ኖላዊን ብምባል ይፍለጣ፡፡ ቅድስቲ ቤተክርስቲያ ነገር ኩሉ ብግዚኡ አዝዩ ግሩም ገይሩ ንዝፈጠረ ኣምላክ ምስጋናአ ብዘመናት ከፋፊላ ምቕራብ ባህሪአ እዩ /መክ 3፣11/፡፡ ሕድሕድ ሰንበት ነናይ ባዕሉ ትምህርቲ ዝሐዘ እዩ፡፡ ካብተን ሠለስተ ሰናብቲ እተን ናይ መጨረሽታ ክልተ ማለት እውን ብርሃንን ኖላዊን እግዚአብሔር ብዝፈቐዶ መጠን ክንመሃሃር ኢና፡፡

ካብቶም ሰለስተ ሰናብቲ፤ እዚ ሰሙን እዚ ብርሃን ተባሂሉ ይፅዋዕ። አማናዊ ብርሃን፣ አብ ውሽጢ ፀላምን ሞትን ንዝነበሩ ዝበረቐ፣ ብበዝሒ ብርሃኑ  ፅልመት  ዓለም ዘወገደ፤ ክመፅእ እዩ እንዳበሉ ነብያት ኩሎም ብሕብረት ተስፋ ገይረም ይፅበይዎ ዝነበሩ ብርሃን እነስታውሰሉ ዘመን እዩ፡፡
አብ ናይ ቅዳሴ ስርዓት ዲያቆን ብምስባክ ብሕታዊ መጽሐፍ ብሉይ ኪዳን፤ አብ ጊዜ ቅዳሴ ብስሩዕ ካብ ዝንበቡ መጻሕፍቲ ዝኾነ መዝሙር ዳዊት (ማለት እውን መልእኽቲ ጳውሎስ፣ መልእኽቲ ካልኦት ሐዋርያት፣ ግብረ ሃዋርያት እና ወንጌል ቅዱስ ካብ ሐዱሽ ኪዳን ዝንበቡ እንትኾኑ ካብ ብሉይ ኪዳን ድማ ዳዊት ብዜማ ይንበብ) አብ መዝሙር /መዝ.43:3/  “ብርሃንካን ሐቅኻን ለአኽ ይምርሑኒ ካዓ፤ ናብ ቅዱስ እምባኻን መሕደሪኻን ድማ ይውሰዱኒ።” ብምባል ቃል ነቢያት በአዝዩ ጥዑም ዝኾነ ዜማ ይፅውዕ፡፡
ሐቂን መንገዲ ሐቅን ዝሕብር ቃል ፈጣሪ ንድሕሪት ገዲፎም፤ ቃል ፍጡርን ስሑትን ዲያብሎስ ብምስማዕ አዳምን ሄዋንን ፍፃሜኦም ከምዘይፀበቐን መጨረሽተኦም ሞት ምዃኑ ነብያት አብ መጻሕፍቶም መዝጊበሞ አለው፡፡ ብበደል አዳምን ሄዋንን ኩላ ዓለም ተፈሪድዋ፣ አዳማውያን ኩሉም አብ ውሽጢ ስቓይን መከራን ይነበሩ ምንባሮም ቅዱሳት መጻሕፍት መሰኻኽር እዮም፡፡ መንገዲ ሐቅን ፅድቅን ካብ ሰባት ተሰዊራ፣ በሪ ገነት ተዓፅይዎም፣ ፈቐዶ በረኻ ወዲቖም ተሪፎም፡፡ ኩሉ ፀላኢኦም ኮይኑ ፈታዊ አልባ ኮይኖም፤ ዘገልግልዎም ዝነበሩ መላእኽቲ በሪ ገነት ከይረግፁ በዘፍርሕ ነበልባል ሐዊ ብዘለበሰ ጉራዴ አዳምን ሄዋንን አባሪሮም አውፂኦሞም፡፡ አዳም ስም ዘውፀአሎም እንስሳት እውን እንተኾኑ እንስሳት ዘቤትን ገዳመን ተባሂሎም ስግአት አዳም ኮይኖም ፈታዊ አልባ ገይሮሞ፡፡ ብመሰረቱ ሰብ ባዕሉ ንባዕሉ ክፈቱን ከኽብርን እንተዘይክኢሉ ካልእ አካል ከኽብሮን ክፈትዎን ንቡር አይኮነን፡፡ ጎይታና እውን አብ ወንጌል “ሐውካ ከም ነብስኻ ፍተው” ኢሉ እዩ አምሂሩና፤ ዘለቔታ ዘለዎ ፍቕሪ እዙይ ስለዝኾነ፡፡ አዳም በድልየቱ ካብ አምላክ ምስረሐቐ ኩሉ ርሒቕዎ ስለዝነበረ ነብያት እዚ ውድቀት እዚ ስለዘስተባሃሉ ካብዚ መንገዲ ሞት ዘድሕኖም ሐቅን ብርሃንን ተስፋ እንዳገበሩ ይነብሩ ነይሮም፡፡ ፈጣሪ ዘይፈርሕ ጥበብ አልባ ናይ ዝኾነ ፍጡር ቃል ምስማዕ፣ ናይ መታለልቲን መስሐትን ሰባት ቃል ምስማዕ፣ ውዳሴ ብጡል (ከንቱ ወይም ብላሽ ዝኾነ ናእዳ)፤ እግዚአብሔር ዘይፈትዎ መሰረት አልባ ወረ ምስማዕን ምኽታልን ሰናይ ፍፃሜ ዘይብሉን ስለዝኾነ፤ ፈራሕቲ አምላኽን ምሉአት ጥበብ ነብያት ስለዝበርሀሎም ብዘየዳግም ሐንሳብን ንሐዋሩን ዝመርሖም መንገዲ ሐቂ፤ ከይተሰናኸሉን ከይተዓንቀፉን ዘይውዳእ ዕረፍቲ ናብ ዘለዎ መሕደሪ አምላክ ንክአትዉ፤ ፀልማት ዘየሸንፎ ብርሃን ሃረርተኦም ገይሮም ነብያት ምምፃእ እዚ ብርሃንን ሓቅን ዕለታዊ ተስፈኦም ገይሮም ይነብሩ ነበሩ፡፡
ልበ አምላክ ንጉሥ ዳዊት ናይ ዲያብሎስ መታለልቲ መሰረት አልባ አጉል ተሰፋ ሐዘል ቃላት፤ ዕጫ አዳምን ሄዋንን አብ ዘይሃስስ ጓሂን ጣዕሳን ከቲተንኦም ሞት አሸኒፍዎም ፈራሓትን ተሸነፍትን ገይርዎም ምዃኑ ተገንዚቡ፤ ናብ ናይ ቅድስና እምባን መሕደሪ እግዚአብሔርን ዝመርሖ ሐቅን ብርሃንን ለአኸልና ብምባል ጸሎት ይገብር ነይሩ (መዝ.43:3)፡፡ እዚ ነብያት ይምፃእ እንዳበሉ ይፅበይዎን የምነይዎን ዝነበሩ፣ ፅልመት ዓለም ዘወገደ፣ በፀላም ይኸዱ ንዝነበሩ ሰባት ብርሃን ዝኾነ፣ መንገዲ ሐቅን ጽድቅን ዘብሰረ ሐቀኛ ብርሃን ክብሪ ምስጋና ይብፀሐዮሞ ጎይታና መድሐኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፡፡
ነብያት ይወለደልና፣ የብርሀልና እንዳበሉ ዝተፀበይዎ ብርሃን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አዩ፡፡
 ነብያት ብምሉእ ልቢ፣ ብዘይምንም ጥርጥር ክውለድ እዩ፣ ክመፅእ እዩ፣ ናይ ዓለም ፀላም ከወግድ እዩ ብምባል ትንቢት ዝተናገርሉ፣ ትፅቢት ዝገበርሉ ሐቀኛ ብርሃን ጎይታና መድሐኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፡፡ ከም ነብያት ነብይ ከም ሐወርያት ሃወርያ ዝኾነ መለኮት ከጥምቕ ዝተመርፀ ቅዱስ ዮሃንስ፤ ስለ እቲ ሐቀኛ ብርሃን አቐዲሙ ክምስክር ዝተለአኸ ከምዝኾነ ንባዕሉ ግን ብርሃን ከምዘይነበረ ወንጌላዊ ዮሃንስ “ኩሉ ብእኡ ንክአምን ስለብርሃን ክምስክር መፀ፡፡ ስለብርሃን ክምስክር መፀ እምበር ንባዕሉ ብርሃን አይነበረን ”(ዮሐ.1:7-8) እንትብል ይነግረና፡፡
ነብያት ተስፋ ገይሮም ይህንጠይዎ ዝነበሩ፤ ንድሕነት ዓለም ዘድሊ ብርሃን ግን፤ ዓለም ዓይና ዓዊሩ ዋላዳኣ አይትፍለጦ እምበር አብቲ ግዜ እቱይ ተገሊፁ አብ ዓለም ነይሩ እዩ፡፡ ወንጌላዊ ዮሃንስ “ንኩሉ ሰብ ዘብርህ ሐቀኛ ብረሃን ናብ ዓለም ይመፅእ ነበረ፤ አብ ዓለም ነበረ፣ ዓለም እውን ብእኡ እዩ ተፈጢሩ (ኮይኑ) ዓለም ግን አይፈለጦን።”/ዮሐ.1:9-10/ ብምባል ግልፂ ብዝኾነ መንገዲ ከም ዘምሀረና፡፡
ዓለም አብ ፀላም ነይራ፤ ኢሳይያስ “በፀላም ዝኸደ ህዝቢ ብርሃን ረአየ፣ አብ ፀላሎት ሞት ንዝነበሩ እውን ብርሃን ወፀሎም” /ኢሳ.9:2/ ብምባል ከምዝገለፆ፡፡ አብ ጸልማትን ሞትን ንዝነበረት ዓለም ካብ ፀላም ንከላቕቓ፤ አብ ፅላሎት ሞት ንዝነበሩ ምሕረት ክህብ ጎይታና ተገልፀ፤ ድልየቶም ድማ ፈፀመሎም፡፡ ኢሳይያስ እዚ ቃል እዚ ዝተዛረበሉ ዓንቀፅ ስለ ጎይታ ምውላድ፤ ሐያል፣ መስተንክር ዝገብር ህፃን፣ አቦ ዘለአለም ዝኾነ አምላክ ከምዝተወሃበና አብ ዘተናገረሉ እዋን እዩ፤ ስለዞኾነ ድማ እቲ ፀልማት ዘወገደ አምላክ ጎይታና ምዃኑ ግሁድ ይገበሮ፡፡ ሃብተ ነብያት ወሐዋርያት ዝተዋሃበ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ስለ ጎይታና እንትሰብኽ “እንሆ ሐጢያት ዓለም ዘወግድ በጊዕ እግዚአብሔር /ዮሐ.1:29/” ኢሉ ናይ ዓለም ፅልመት (ሐጥያት) ዘወግድ አምላኽ ጎይታና መድሐኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝኾነ ብዘየሻሚ ቃል አብሪሁልና እዩ፡፡ ስለዚ ነብያት “ተወለደልና፣ ብርሃን ኩነልና፣ ብርሃን ልአኸልና፣ መንገዲ ሐቂ አርእየና” እንዳበሉ ዝፀውዕዎን “ክመፅእ እዩ” እንዳበሉ ተስፋ ዝገበርዎን ብርሃን ጎይታና መድሐኒና አየሱስ ክርስቶስ እዩ፡፡ አይሁዳውያን ክሳዕ ሕዚ ዓይኖም ሸፊኖም አይመፀን ብምባል ጋህዳዊ ሐቂ ክሒዶም ይነብሩ አለው፡፡ ሐደ ሰብ ዓይኑ ሸፊኑ ፀሐይ አይበረቐትን እንተይሉ፤ ወለዲ “ፈሊጡ ያ ዘፅቀጠስ ፀዊዕኻዮን አይሰምዕ” ከም ዝብልዎ ስለዝኾነ ነገርካዮ አይነገርካዮ ሐደ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ እዚ ሐንሳብ ዝተገልፀ ብርሃን ብዝገለፆ መንገዲ ሐቂ ተጠቒሙ ናብ ዕረፍትን ሰላምን ብበሪ ጥምቀት ዝአተወ ተስፋ ነብያት ተቋዳሲ ይኸውን፤ ብአንፃሩ ድማ ብርሃን አይመፀን ኢሉ ዝተቓወመን ብምግላፁ አሚኑ ግን ዘይተኸተለን ድማ ቃል ዲያብሎስ ብምስመዖም ቀዳሞት አትዮሞ ናብዝነበሩ ስፍራ ምዝንባሉ እዩ፡፡
ካብ አይሁዳውያን ርሒቖም፣ ክርስትና እውን እንተኾነ ምቕባል ዘንጊዖም ድሕሪ እቲ ሐቀኛ ብርሃንን ብሕታዊ መንገድን፤ ካልእ መልእኽተኛ መጺኡልና እዩ ብምባል ሐንሳብን ንዘለአለም ዝበረቐ ብርሃን ሐዲጎም መንገዲ ጥፍአት ዝመረፁ ተንባላት እውን እንተኾነ ዓስቢ አይሁዳውያን ምቕባሎም ዘይተርፍ እዩ፡፡ ንሕና ግን ካብ መን ከምዝተመሃርናዮ ስለንፈልጥ /2ጢሞ.3:14/ ኩሉ ጊዜ እዚ ሐቀኛ ብርሃን ብምእማን ናብ ዝርከብ ክብሪ ካሳዕ ንሸጋገር እቲ ዝተገለፀ ብርሃን ጥራሕ ብምእማን ክንነብርን ምስ አቦታትና ተሰሊፍና አሰር ወለድና ሒዝና ብቃል ነብያት “ብርሃንካን ሐቅኻን ለአኽ ይምርሑኒ ካዓ ናብ ቅዱስ እምባኻን መሕደሪኻን ድማ ይውሰዱኒ።” እንዳበልና ነቢያት አቦታትና ዝምነይዎ ዝነበሩ አምላክ አብ ዘመንና ተገሊፁ ስለዝረአና ናይ ነብያት ትንቢት ፈፃሚ ስለዝረአና፣ አብ ናይ ነብያት እምነት ብምህላውና ደስ እንዳበለና አምላክ ንዝገበረልና ኩሉ ክነመስግን ይግባእ፡፡
ነብያት ይወለደልና፣ የምርሐና እንዳበሉ ዝተፀበይዎ ሐቂ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አዩ፡፡
ነብየ እግዚአብሔር ንጉሥ ዳዊት አቐዲምና አብ ዝሓበርናዮ ጥቕሲ “ብርሃንካን ሐቅኻን ለአክ ይምርሑኒ ካዓ ናብ ቅዱስ እምባኻን መሕደሪኻን ድማ ይውሰዱኒ።” ብምባል ብርሃንን ሐቅን ክመፀሉ እሞ ናብ ቅዱስ እምባን መሕደሪ አምላክን ከወስድዎ ይጽሊ ምንባሩ ምርዳእ ዝኸብድ ጉዳይ አይከውንን፡፡ ነብያት ከብርሀሎም ዝፅበይዎ ዝነበሩ ብርሃን እውን ጎይታና መድሐኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ተመልኪትና አለና፡፡ ሕዚ ድማ እዚ ንጉሥ ዳዊት ”ሐቂ”  ብምባል ዝገለፆ ናብ ቅዱስ እምባን መሕደሪ አምላክን ዝመርሕ ባዕሉ ጎይታናን መድሐኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ክንምልከት ኢና፡፡
 ጎይታና መድሐኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በዘየሻሚ መልክዕ  “አነ መንገድን ሐቅን ህይወትን እየ”/ዮሐ.14:6/ ኢሎ ስለባዕሉ ሐቂ አስተምሂሩና እዩ፡፡ ጎይታና መድሐኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝብለና ኩሉ ብዘይምንም ሕቶ ክንቅበሎን ከይተጠራጠርና ክንትግብሮን ከምዝግበአና ቅዱሳት መጻሕፍቲ የምሁሩና እዮም፡፡ "--- ብእኡ ደስ ዝብለኒ ፍቱው ወደይ እዙይ እዩ፤ ንዕዑ ስምዑ ---"/ማቴ 17:5/ ኢሉ እግዚአብሔር አብ ንሃዋርያት ብፍላይ ድማ አብ ፊልጶስ ቂሣርያ ምስ በፅሑ ቅድሚ 6 (ሽዱሽተ) መዓልቲ ስለማንነቱ ተሐቲቶም ሥጋን ደምን ዘይገልፅዎ ሐቂ መንፈስ ቅዱስ ሐጊዝዎ ዝመስከረ፤ በሪ መንግስተ ሰማያት ክዓፁን ክከፍትን ቁልፊ ዝተዋሃበ፣ ንኡድ ብፁእ ዝተበሃለ ሃዋርያ፤ ጎይታና ክሞት፣ ክስቀል፣ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ድማ ክለዓክ ከምዘለዎ (ከምዝኾነ) እንትነግሮም ጴጥሮስ "አይግባእን አይከውንን" ኢሉ ብዘይምፍላጡ ብሰብአዊ አተሐሳስባ ፍቕሪ ብዝመስል ኮይኑ ግና ፍቓድን ድልየትን ሰይጣን ዝኾነ ተቓውሞ አብ ዘቕርበሉ ጊዜ ጎይታና "ወግድ ሰይጣን ናይ ሰብ እምበር ናይ እግዚአብሔር ዘይትፈልጥ" ኢሉ ገይታና ገሲፅዎ ንዝነበረ፤ እግዚአብሔር አብ ካብ ደጊም ቃል ጎይታና ፍፁም ብዝኮነ ትሕትናን ክንቅበሎ ከምዝግበአና አምሂሩና /ማት 17፡1-6፣ ማቴ 16፡15-ፍ.ም/፡፡ አዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም እውን "ዝበለኩም ኩሉ ፈፅሙ" /ዮሐ.2:5/ ብምባል አምሂራትና እያ፡፡ ስለዝኾነ ከኣ ጎይታና መንገዲ፣ ሐቂን ህይወትን ምዃኑ በዘይ ሓንቲ ምጥርጣር ክንቅበሎ ይግባእ፡፡ ሐቂ እሱ ጥራሕ እዩ፣ ስለዝኾነ ድማ ናብ ቅዱስ እምባን መሕደሪ አምላክን ዝመርሕ ሐቂ ጎይታና እዩ ማለት እዩ፡፡ ነብያት ዝፅበይዎ ዝነበሩ ሐቂ፣ ብናይ ሐሶት አቦ /ዮሐ.8:44/ ዲያብሎስ ሐሶት ተሰሓሒቶም ንዝነበሩ አዳምን ሄዋንን ከድሕን ዝተወለደ ሐቂ፤ ሐሶት ካብ ዓለም ከጥፍእ ዝመፀ ሐቂ ብምእማን ነብያት ዝምነይዎ ዝነበሩ መሕደሪ አምላክ ክንወርስ ንኽል፡፡
ቅዱሳት መጻሕፍት ጎይታና ሐቂ ምዃኑ ከምዙይ ክብሉ የምሁሩና፡-
·        ዮሐ.1:17 “ጸጋን ሐቅን ግን ብኢየሱስ ክርስቶስ ኮይኑ።”
·        ዮሐ.8:31-32፣ ዮሐ.8:36፣ ዮሐ.8:40፣ ዮሐ.8:45፣ ዮሐ.8:46፣ ዮሐ.10:41
መጠቓለሊ
 ነብያት ኩሎም ብርሃንን ሐቅን ለአኸልና፤ ናብ ናይ ቅድስና ቦታ፣ ናብ መሕደሪኻ ይምርሑና ብምባል ከም ሐንቲ ቃል ተናገርቲ ከም ሐንቲ ልቢ መኸርቲ ከይኖም ብተስፋ ካብ ናይ ስሕተት መንገዲ፣ ካብ ሞት ዘድሕኖም አምላክ ተስፋ እንዳገበሩ ሐሊፎም፡፡ ፆመ ነብያት፣ ጸሎተ ነብያት፣ እምነተ ነብያት ዘይዘንገዐት ቤተክርስቲያን፤ ናይ ነብያት ተስፋ ዝነበረ፤ ተገሊፁ መንገዲ ሐቂ ዝገለፀ ብርሃን እተምልኽ ቤተክርስቲያን ስለዝኾነት ሕዚ እውን ቃል ነብያት ዘመን ሐሊያ በፍፁም መንፈሳዉነት ምስ ሐዱሽ ኪዳን (ምስ ፍፃሜ እቲ ትንቢት) አተአሳሲራ፤ ትማሊ ንዝነበረ ሎሚ ንዘሎ ፅባሕ እውን አሕሊፉ ንዝነብር አምላክ እንዳመስገነት ትነበር አላ፡፡
 ሐደ ሐደ ሰባት ንምንታይ ምባሎም አይክቐርን፡፡ ኮይኑ ግና አብ ናይ መላእኽቲ ዓለም ዝተጀመረት፣ አዳም፣ ሴት - - - ኖኅ --- አብርሃም --- ሙሴ - - -ዳዊት-- ኢሳይያስ ክሳዕ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ዝተኸተልዋ፣ ቀፂሉ እውን ጎይታና ተገሊፁ እቲ ተስፋ ነብያት ፈፂሙ ሐዋርያት መሪፁ ብሃዋርያት ክዓ ናባና ዝበፅሐት ብሕታዊት እምነት ስለ እንኽተል ሐጎስ ክስመዐና ይግባእ፡፡ ቤተ ክርስቲያን ሕዝውን ከም ቀደማ ዘመናት ከፋፊላ ዘመነ ነብያት፣ ዘመነ ሐዋርያት ወዘተ ብምባል ብሉይን ሐዱሽን ኪዳን አጣሚራ ሒዛ ትርከብ፡፡ እዙይ ድማ ዘለአለማዊ መግለፂአ ኮይኑ ክነብር እዩ፡፡ ብርሃንን ሐቅን መፂኡ፤ ምንነት ሐቂ ስለዝገለፀልናን ፅልመት አወጊዱ ብርሃን ስለዘብርሀልና አምላኽና እንዳመስገንና ብናይ መላእኽቲ፣ ነብያት፣ ሐዋርያት እምነት ንዘለአለም ክንፀንዕ ይግባእ፡፡ ንክንፅንዕ እቲ ሕያዋይ አምላክ ይሐግዘና፡፡ አሜን!!!        
ወስብሐት ለእግዚአብሔር

No comments:

Post a Comment

FeedBurner FeedCount