Thursday, August 30, 2012

ኣረጊት ሰብነትኩም ቐንጥጡ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!

 ናይ’ዚ ትምህርቲ’ዚ መሠረታዊ ዓላማ ክርስቲያን ሰባት ኣብ ሂወቶም መሠረታዊ ለውጢ ንኸምጽኡ ምብርትታዕ እዩ፡፡

  ኣብ ሂወትና ተለዊጦም ክንሪኦም እንደሊ ብዙሓት ነገራት አለዉ፡፡ ዓይነቶም ከዓ ከከም መልክዕና ዝተፈላለዩ እዮም፡፡ ገሌና ደመወዝና ክልወጥ ንደሊ፤ ገሌና ባህርያትና ተመሓይሹ ክንርኢ ንደሊ፤ ገሌና ምስ ካልኦት ሰባት ዘለና ሕርፉፍ ምቅርራብ ተለዊጡ ክንርኢ ንደሊ፤ ገሌና ሓዳርና ስሙር ኮይኑ ክንርኢ ንደሊ፤ ገሌና ሕማቕ እንዳተዛረብና ንሰባት ንቱግ ኢልና እንዳተፃረፍና ተሸጊርና ንኾን፡፡ ኮታስ ብዙሕ ተለዊጦም ክንሪኦም እንደሊ ነገራት ኣለዉ፡፡ እዞም ተለዊጦም ክንሪኦም እንደልዮም ነገራት ተለዊጦም ንምርኣይ ብዙሕ ፃዕሪ ጌርና ንኸውን፡፡ እዚኣቶም ተለዊጦም ንምርኣይ ብዓል ሙያ ኣማኺርና ንኸውን፤ ብዙሓት መጻሕፍቲ ገዚእና ኣንቢብና ንኸውን፤ ብዙሕ ግዜ ንኣምላኽ ለሚንናዮ ንኸውን፡፡ ስለዘይተለወጥና ኸዓ ተስፋ ቖሪፅና ንኸውን፡፡ ለውጢ ምምፃእ ኣብ ህይወትና እቲ ዝኸበደ ነገር ኮይኑ ተሰሚዑና ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡

 “ንምንታይ ኣይተለወጥኩን? ንምንታይ ኣምላኽ ፀሎተይ አይሰምዐን?” ኢልና ምሕታት አገዳሲ ጥራሕ ዘይኮነስ ግድን እዩ፡፡ ከምዚ ኢልና እንትንሓትት ፀገምና አበየናይ ቦታ ከምዝነበረ ንምእላሽ መፍትሒኡ እውን ንምንዳይ ኸቢድ ስለዘይኮነ፡፡ እስኪ ንሂወት ያዕቆብ ወዲ ይስሓቕ ብምልዓል እቲ ናሃትና ፀገም ኣበይ ከም ዘሎ ንፈትሾ!

1. ሰብ ሞያ ጥዕና ናይ ሓደ ሰብ ሕማም እንታይ ምኻኑ ምፍላጥ ናይ ሕክምና 50 ምኢታዊ እዩ ይብሉ፡፡ ብመንፅር ክርስትና ከዓ ኣረኣእያ ሰብን ኣረኣእያ እግዚአብሄርን ዝተፈላለየ ስለዝኾነ እግዚኣብሄር በቲ ዝጠቕመና መኣዝን እንትጅምር ንሕና ድማ ኣይኾንን ኢልና በኣንፃሩ ኬድና ክንከውን ንኽእል ኢና፡፡ ንሕና እንሪኦ ደጋዊ መልክዕ እንትኸውን እግዚኣብሄር ግና እቲ ውሽጣዊ ፅባቐ ይርኢ፡፡ እዙይ እውን ካብ ቃል ኣምላኽ ክንርዳእ ንኽእል፡፡ “ኣነ እግዚኣብሄር ከም ኣረኣእያ ሰብ ኣይርእን እየ፡፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዝርኢ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እየ ዝርኢ” ይብል /1ሳሙ.16፡7/፡፡ ስለዚ እቲ ናህና ሕቶ ኣበይ ነበረ? ውሽጥና ንኽልወጥ
ድዩ ወይስ ላዕልና ንኽልወጥ? እዙይ ምስ እነስተኻኽል እቲ እንደልዮ ለውጢ በቐሊሉ ናባና ይመፅእ፡፡ እቲ ቕደም ተኸተል ምስ እነስተኻኽል እቲ እንደልዮ ለውጢ ይመፅእ፡፡ ጎይታናን መድሓኒትናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ እዋን ንመምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን እንትወቕሶም፡- “ኣቱም ግቡዛት መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ንዋንጫን ንፃሕልን ብውሽጡ ኸትርን ስስዐን መሊኡ ኸሎ ላዕላዩ እትሓፅቡ ወይለኹም” ኢልዎም ነይሩ /ማቴ.23፡25/፡፡ ከምዚ ክብሎም እንተሎ ግና እቲ ላዕሊኡ ዝረስሐ ይኹን እናበሎም ኣይነበረን፡፡ እኳ ደኣስ ፅርየት ክጅምር ዘለዎ ካብ ውሽጢ ክኸውን ከም ዘለዎ እምበር፡፡

2. ኹላትና ከም እነንብቦ ያዕቆብ ወዲ ይስሐቕ ኣቐዲሙ መተሓናኾላይ መታለላይ ዓይነት ሰብ ነበረ፡፡ ሕሶት ናይ ሂወቱ ሓደ ኣካል ዝነበረ ሰብ ነበረ፡፡ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ምዕራፍ 32 ከም እነንብቦ ግና ሂወቱ ንሓዲኡን ንሓዋሩን ተለወጠ፡፡ ሂወቱ ጥራሕ እንተይኮነስ ስሙ እውን ተለወጠ፡፡ እስራኤል ከኣ ተባህለ፡፡ መጽሐፍ ከም ዝነግረና ያዕቆብ ኣብ ፀምፀም በረኻ ንበይኑ ተረፈ፡፡ ሓደ “ሰብኣይ” መፂኡ ድማ ክሳዕ ዝወግሕ ተቓለሶ፡፡ እቲ ሰብኣይ ኸዓ ከም “ዘይከኣሎ” ምስ ረኣየ ንያዕቆብ ምሕኹልቱ ተንከዮ፤ ናይ ያዕቆብ ምሕኹልቱ እውን መለቖት /ዘፍ.32፡24-25/፡፡ እዚ ቓልሲ እዚ ናይ ብሓቂ ቓልሲ ደኣምበር ኣብ ቴሌቪዥን መስኮትና ከም እንሪኦ ዝዓይነቱ ናይ ሕሶት ቓልሲ ኣይነበረን፡፡ እቲ ቓልሲ ናይ ደቓይቕ ቓልሲ ዘይኮነስ ምድሪ ክሳብ ዝወግሕ እዩ ዝነበረ፡፡ ንምታይ ከምዚ ኮነ? ኣውግስጢኖስ ዝተብሃለ ፈላጥ ነዚ እንትምልሶ፡- “እዚ ቓልሲ እዚ ያዕቆብ ዝባረኸሉ መንገዲ ስለዝነበረ እዩ፡፡ እግዚአብሄር ኣብ ከምዚ ዝበለ ቓልሲ ክንፀንሕ ዝገብረና እንባረኸሉ መንገዲ ንሱ እንትኸውን እዩ፡፡ እንልወጠሉ እንመሓየሸሉ መንገዲ ንሱ እንትኸውን እቲ ቓልሲ ካብ ሓደ ለይቲ ንላዕሊ ዋላ እውን ንዓመታት ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ እቲ ብፃዕርን ብድኻምን ዝረኸብናዮ ነገር ብቐሊሉ ኣይነጥፈኦን አይነበላሽዋን ኢና፤ እንረኽቦ ነገር “ብድኻምን በፃዕርን እንትኸውን ጣዕሙ ለዝኡ ክንደየናይ ምቁር ከም ዝኾነ ነስተማቕሮ” ይብል፡፡ ብሓቂ ከዓ እዙይ ካብ ሂወት ኣዳም ክንመሃሮ፣ ክንፈልጦ፣ ክንርደኦ ንኽእል ኢና፡፡ እቲ ዝገርም ግና እቲ “ግደፈኒ” ዝበሎ “ሰብኣይ” ንያዕቆብ ባሪኽዎ ምኻዱ እዩ፡፡ ለካስ ያዕቆብ ዝቃለስ ዝነበረ ከምቲ ዝበልናዮ ምስ እግዚአብሄር እዩ፡፡ ያዕቆብ እዚ ደሐር ከም ዝተረድኦ ነስተውዕል፡፡ ምንም’ኳ ኽቃለሶ እንተሓደረ ተራ ሰብ ከም ዘይኮነ ምእንቲ ኸፈልጥ ምሕኹልቱ ንኡሽቶ ንኽእ ኣበሎ፡፡ ምሉቕ ከዓ በለት፡፡ ስለዚ ቓልሱ ምስ መን ከም ዝነበረ ፈለጠ’ሞ ባርኸኒ በሎ፡፡ ፍቱዋት! ንሕና እንተንኸውን እንታይ ንብል? “ግደፈኒ” እንትብለና “ፅርግ በል” ዶ ኣይንብልን? ያዕቆብ ግን ከምኡ አይበለን፡፡ “እንተይባረኽካኒ ኣይሓድገካን እየ” ደኣ በሎ እምበር፡፡

3. ያዕቆብ ዝተባረኸሉ ምኽንያት እስካዕ መጠረስታ ብምቅላሱ እዩ፡፡ ስለዚ ካባና እስካዕ መወዳእታ ምቅላስ የድሊ፡፡ ናይ ኩላትና ፀገም ደቂስና እንዳሃለና ምብራኽ፣ ምሕኹልትና እንተይተነኽአ ምልዋጥ፣ ብንእሽቶ እንዳሰልከይና ምብራኽ እዩ፡፡ እቲ ክንረኽቦ እንደሊ ነገር ንምርካብ፣ እቲ ክንልወጦ እንደሊ ነገርና ንምልዋጥ ክንደየናይ ዝኣክል ንጽልይ? እቲ ናሃትና ቓልሲ እኮ ከም ናይ ያዕቆብ ዝመሰለ ቓልሲ ክኸውን ግድን ኣይኮነን፡፡ እሞ ክንደይ መዓልቲ ደኣ ተቓለስና? ክንደይ መዓልቲ ደኣ ጸለይና? ሓንቲት መዓልቲ? ክልተ መዓልቲ? ሓንቲት ወርሒ? ፍቱዋት! እቲ ናይ እግዚአብሄር ኣሰራርሓን እቲ ናህና ኣሰራረሓን ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣይናዮ ዝተፈላለየ እዩ፡፡ ምልዋጥ እንትንደሊ በቐሊሉ እንኹሪ ኣይንኹን፤ ምምሕያሽ እንትንደሊ ብንእሽቶ እንወድቕ ኣይንኹን፤ ዘላቒ ዝኾነ መዓዛ ክርስትና ዘለና ሰባት ኽንከውን እንትንደሊ ፅኑዓት ንኹን፡፡ ሰባት ነቲ ምድራዊ ዕላምኦም ንምዕዋት ካብ ነፍስ ሄር ቀዳማይ ሚንስተር መለስ ዜናዊ ክንመሃር እንኽእል፡፡ ንሶም ምእንቲ ዝኣመንሉ ዕላማ ናይ ውልቆም ድልየት ዝገደፉ እዮም፡፡ ፕሬዝዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ነበር ኔልሰን ማንዴላ እቲ ዝኣመንሉ ዕላማ ሽትኡ ንኽወቅዕ 27 ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሕልፉ ነይርዎም፡፡ ንሕና ኽርቲያናት’ማ፣ ዕላማና ዘልኣለማዊ ሕይወት ዝኾነ ንሕና’ማ ክንደይየናይ ዝኣክል ፅንዓት የድልየና ይኾን? ጎይታና ከምዚ ክንከውን ዝደልየና ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ጥቕሙ ረብሕኡ መቐረቱ ንኽረደኣና ንሕና እውን ብቐሊሉ ከም ኣቦና አዳም ንኸይንተሓናኾል እዩ፡፡ ብጹእ ዝኾነ ሃዋርያ ጳውሎስ፡- “ሰናይ ንምግባር አይንሰልኪ፤ ከመይሲ ተስፋ እንተዘይቆረጽና እዋኑ ምስ በፅሐ ኽንዓፅድ ኢና” ይብለና /ገላ.6፡9/፡፡ ያዕቆብ እንተይሰልከየ ተቓለሰ፤ ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ኸዓ ተባረኸ፡፡

4. ያዕቆብ ቅድሚ ምብራኹ ሽሙ መን ከም ዝበሃል ተሓቲቱ ነይሩ፡፡ እግዚአብሄር ስሙ ጠፊእዎ ኣይነበረን፡፡ ያዕቆብ ክዛረቦ ዝግበኦ ነገር ስለዝነበረ ደኣ’ምበር፡፡ ያዕቆብ ማለት ከምቲ ኣቐዲምና ዝተዛረብና መተሓናኾላይ፣ መታለላይ ማለት እዩ፡፡ ገና ካብ ማህፀን ኣደኡ ኣትሒዙ ኵርኹረ (ሸኾና) ሓዉ ብምሓዝ ምስንኻል ጀመረ፤ ንኣብኡ ቖርበት ማሕሲእ ተኸዲኑ ኣዐሸዎ፡፡ ስለዚ እዚ ስርሑ እዚ እግዚኣብሄር ምስ እንትሓቶ ክምልስ ነበሮ፡፡ “እቲ ናሃተይ ስምሲ ሓንኳሊ እዩ፤ እቲ ትኽክለኛ ስመይሲ መታለላይ እዩ” ኢሉ ክዛረብ ክኣምን ነበሮ፡፡ ሎማዓንቲ እግዚኣብሄር መን እዩ ስምካ/ኪ ኢሉ እንተዝሓተና መን ኢልና ምመለስና? ሰሪቕና ምስ እንትመፅእ፣ ሓሲና ምስ እንትመፅእ፣ ነገር ኣጣቊስና ምስ እንትመፅእ እግዚኣብሄር ሽምና እንተዝሓተና መን ኢልና ምመለስና? እግዚኣብሄር ምስ እንትሓተና “ናሃተይ ስም ገ/እግዚኣብሄር ዘይኮነስ መጣቖሲ እዩ! ስመይ ገ/ማርያም እንተይኮነስ ሓሳዊ እዩ” ኢልና ንኽንምልስ ንክንኣምን ይደልየና፡፡ “ስመይ ትዕቢት፣ ቕንኣት፣ ስርቆት፣ ስስዐ፣ ሕሶት እዩ” እንተይበልና እንተይኣመንና ለውጢ፣ በረኸት ፈፂሙ ናይ ደርኩኺት ገዛና ኣይቐርብን፡፡ ያዕቆብ “ስመይ እንዳፈለጥካዮ ንምንታይ ትሓተኒ?” ኣይበለን፡፡ ሎሚ ንሕና እንንስሀሉ (ነስሓ እንኣትወሉ) ምኽንያት እውን እዚ እዩ፡፡ ምምኽናይ ካባና ክርሕቕ ኣለዎ፡፡ ምምኽናይ ንታ ቐዳመይቲ አዴናውን ኣይጠቐማን፡፡ ምምኽናይ ገዲፍና እንትንኣምን ንልወጥ፡፡ ትሕት እንትንብል ጸጋ እግዚአብሄር ናባና ይመፅእ፡፡ መፅሓፍ እንትዛረብ፡- “ኣምላኽ ንዕቡያት ይፃረሮም፤ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም” ይብል /ያዕ.4፡6/፡፡ ናይ ምምሕያሽና ምሽጢር ጸጋ እግዚኣብሄር እዩ! ናይ ምልዋጥና ሓይሊ ጸጋ እግዚኣብሄር እዩ፡፡

  ያዕቆብ ስሙ ምስ ተዛረበ እስራኤል ተባህለ፡፡ መጀመርታ መሰናኸላይ መዐሸዋይ ነበረ፤ ሕጂ ግና ናይ ስድራ እግዚኣብሄር ኮነ፡፡ ካብ ላዕሉ እንትንሪኦ ዝተለወጠ ነገር ኣይነበረን፡፡ ግዳማዊ መልክዑ እቲ ቐደም እንፈልጦ
ያቆብ እዩ፡፡ ውሽጡ ግና ፍጹም ተለወጠ፡፡ ፍቱዋት! ምልዋጥ እንትንደሊ ምምሕያሽ እንትንደሊ ከምቲ ጎይታ ዝነገረና ካብ ውሽጢ ንጀምር፡፡

 ያዕቆብ ከምዚ ምስተባረኸ “ንኣምላኽ ገጽ ንገጽ ስለዝረኣይኩዎ ሂወተይ ድሒና” እንትብል ነቲኣ ቦታ ጵንኤል በላ፡፡ ካብኡ ንድሓር ፀሓይ በረቐት፡፡ ኾይኑ ግና ያዕቆብ ምሕኹልቱ ተሃሪሙ ስለዝነበረ ይሕንክስ ነበረ፡፡ እዚውን ብዘይ ምኽንያት ዝኾነ ኣይኮነን፡፡ ምሕኹልቲ ካብ ሰውነትና እቲ ዝጠንከረ ጭዋዳ ዘለዎ ኽፍሊ አካላትና እዩ፡፡ ስለዚ ያዕቆብ ብቕልፅሙ ምእንቲ ከይምካሕ እግዚአብሄር ምልክት ገበረሉ፡፡ ዝተባረኸላ መዓልቲ ዝተለወጠላ ዕለት ኩሉ ግዜ ምእንቲ ክዝክራ መፋልጢ ተገበረሉ፡፡ በረኸቱ ለውጡ እውን መወዳእታ ነበረ፡፡ ብናሃትና ዓቕሚ ዝመጽእ ለውጢ ግና ከምዚ ዘላቒ ኣይኮነን፡፡

 ብሓፈሽኡ እግዚኣብሄር ካብቲ ዝደቀስናሉ ማእሲ ስንፍና ንኽንትንስእ መንቅሒ (ሽግር) ገይሩ እንትንቕንቐና ባህሪርና እንሃድም ኣይንኹን፡፡ እንባረኸሉ መንገዲ ንሱ ክኸውን ስለዝኽእል፡፡ ነቲ ሽግር እስካዕ መጠረስታ ንቃለሶ፤ እንልወጠሉ መንገዲ ንሱ ክኸውን ስለዝኽእል፡፡ እግዚአብሄር መን ምኳንና ክሓተና እንተሎ ምምኽናይ ገዲፍና እቲ ትኽክለኛ መንነትና፣ እቲ ሓቀኛ ስምና ንንገሮ፡፡ ሽዑ በረኸት ናባና ትመፅእ! ሽዑ ለውጢ ናባና ደበኽ ትብል!

  ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ይብለና፡- “ነቲ ቐደም ትነብርሉ ዝነበርኩም ብኽፉእ ትምኒት ዝተበላሸወ ኣረጊት ሰብነትኩም ቐንጥጡ፤ ብኣታሓሳስባኹም እውን ተሓደሱ” /ኤፌ.4፡22-23/፡፡

 እዙይ ንኽንገብር ንሰብ ብምፍታው ሰብ ዝኾነ ክርስቶስ ይርድኣና አሜን!!

1 comment:

  1. Egziabher ymesgen ... kem nay Egzianher qal zbele nebsn sgan zetsgb yelen::
    "tsegaka bmr'ay ytsegeb" kem zbelo qdus Dawit.

    hawna qale hiwet yesme'elna
    tsn'at ewn yhabka
    yefetsmka
    Amen !

    ReplyDelete

FeedBurner FeedCount