Tuesday, October 23, 2012

ከማኻ ዝበለ መሓሪ መን እዩ?


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!

ናይዛ ትምህርቲ እዚኣ ቐንዲ ዕላማ ኩላትና ምሕረት ምግባር ንኽንለማመድ ምትብባዕ እዩ፡፡
ነዚኣ ቃል እዚኣ ዝተዛረባ ማኅሌታይ ኣቦና ቅዱስ ያሬድ እዩ፡፡ ቅዱስ ያሬድ ምሕረት እግዚኣብሄር ኣብ ብሉይ ኪዳን ብዕምቆት እንዳስተንተነ የመስግን፤ ይዝምር ከኣ፡፡ ኣስፍሕ ኣቢሉ ክገልፆ እንተሎ “ቃል ኪዳንካ ምስ ኖህ ዘፅናዕካ፣ ንእስራኤላውያን ካብ ሰማይ ማና ኣውሪድካ ዝመገብካ፣ ንምድሪ ጽጌሬዳ ዕንበባን ፍርያትን ሂብካ ፍጥረት ኩሉ እትምግብ፣ ንሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ፣ ኩሉ ፍጥረት ብተስፋ ንኣኻ ዝጽበ ከማኻ ዝበለ መሓሪ መን እዩ?” ይብል፡፡ ዋላ ሓደ!

ምሕረት ማለት ቅፅዓት ንዝግብኦ ገበነኛ ርህራሄ ምግባር እዩ /መዝ.51፡1፣7-8/፡፡ ፍቱዋት! ከም ኣበሳና እንተንፍደ ከምቲ ቅፅዓት ዝግበኣና ከኣ እንተንኽፈል ነይርና ኣብ ሓንቲት ሰዓት ጥራይ ክንደይ ጊዜ ምሞትና? እስቲ ካብ ዝወግሕ ጀሚሩ ክሳብ እዛ ሕጂ ዘለናያ ደቒቓ ጥራሕ ክንደይ ግዘ አበስና? እሞ ኣምላኽናኸ ክንደይ ግዘ ሓለፈና? ልቢ ኣምላኽ ዳዊት ነዚ እንዳስተንተነ እንትዝምር ከምዚ ይብል፡- “እግዚኣብሄር ርህሩህን መሓርን እዩ፤ ንኹራ ደንጓዪ፤ ብምሕረት ድማ ምሉእ እዩ፡፡ መግናሕቱ ንግዚኡ እዩ፤ ንዘልኣለም ከኣ ኣይቕየምን እዩ፡፡ ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይቀፅዓናን እዩ፤ ከም መጠን አበሳና ድማ ኣይፈድየናን እዩ፡፡ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዝብል ከምኡ ምሕረቱ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝፈርሕዎ ዓብዪ እዩ፡፡ ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዝርሕቕ ከምኡ ኣበሳና ኻባና ኣርሐቐ” /መዝ.103፡8-12/፡፡ 

እግዚኣብሄር ወልድ ኣብ ደንበ ማል ዝተወልደ፣ ገና ብዕሸሉ እንተሎ ኣብ ሕቑፊ ኣዲኡ ዝተሰደደ፣ በኳሩ እኳ መሕደሪ ጕድጓድ እንዳሃለወን ንሱ ግና ርእሱ ዘፅግዓላ እንተይሃለዎ ከርተት ዝበለ፣ ኣብ መስቀል ዕርቃኑ ወፂኡ ስሌና ዝሓመመን ዝተሳቐየን፣ ብመወዳእትኡ ከኣ ብኣሰቃቒ ሞት ዝሞተ ንዓለም ብምልኡ ምሕረት ክገብረሉ ስለ ዝፈተወ እዩ /ኤፌ.2፡4-5፣ 1ጴጥ.1፡3፣ ሮሜ.5፡6-10/፡፡ ናይ ኣምላኽ ምሕረቱ ካብ ሕሊና ሓሳብ ኩሉ ዝበዝሕ እዩ /ዘኅ.14፡18/፤ ክሳብ ሰማያት ዝበፅሕ ሰፊሕ እዩ
/መዝ.36፡5/፤ ከምዚ እዩ ኢልካ ዘይዝረብ ዓሚቕ እዩ /መዝ.36፡6/፤ ነቶም ንቓሉ ብፍርሓት ዘኽብሩ ምሕረቱ ክሳብ ሽሕ ትውልዲ ዝዝክር እዩ /ዘጸ.34፡7/፤ ካብ ዘልኣለም ክሳብ ዘልኣለም ከኣ ባህርዩ ከይቐየረ ዝነብር እዩ /መዝ.137፡1-8/፡፡ ካብ ምሕረት እግዚኣብሄር ኩሉ እቲ ዝዓዘዘ ግና መድኃኔዓለም ኣብቲ ዓርቢ ስቕለት ዝገለፆ ምሕረት እዩ፡፡ ነዚ ምሕረትን ፍቕርን እዚ መን ክገልፆ ይኽእል?

ምሕረት እግዚኣብሄር ኣዒንቲ ዕዉራት የብርህ! ኣእዛን ፀማማት ይኸፍት! መጠን ዘይብሉ ከኣ ሰፊሕ እዩ /ማር.10፡46-52/፡፡ ንገሌና ከም ሎጥ ካብ ኣፍ ሓዊ መንጢሉ ኣውፅአና፤ ንገሌና ከም ኣቦና ያዕቆብ ዘይግብኣና ምሕረት ሃበና፤ ንገሌና ከም ኣብርሃም ለሚንናዮስ ሓሳብ ልብና ፈፀመልና፤ ንገሌና ከም ኑኃሚን ናይ ሓዘንን ምረትን ሂወትና ደቢሱ እቲ ንቡር ሂወትና መለሰልና፤ ንገሌና ከም ሳውል ካብ መንገዲ ጥፍኣት መሊሱ ስምና ለወጠልና፡፡ እንታይ ከ ዘይገበርና ኣሎ?

እምብኣር ከስ ነዚ አምላኽ እዚ ኩሉሻዕ ከነመስግኖ ይግበኣና፡፡ ካብ ልብና ዝነቐለ ውዳሴ ከነቕርበሉ ይግበኣና፡፡ ከምቲ ክርስቶስ ዘርኣየና ነሕዋትናን ነሓትናን ይቕረታ ብምግባር ከነመስግኖ ይግበኣና /ሉቃ.6፡36/፡፡
ሰማያዊ ኣቦና ካብ ባህርዩ ብዝነቐለ ምሕረት ነቶም ኽፉኣትን ሕያዎትን ፀሓይ የብርቐሎም፤ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ዝናም የዝንመሎም፡፡ እምብኣር ከስ ኣባ ኣቦ ኢልና እንፅወዓሉ ናይ መንፈስ ውሉድነት ዝተቐበልና ንሕና እውን ከምኡ ንእከለ ንእከለ እንተይበልና ናይ ምሕረት ሰባት ክንከውን ይግበኣና፡፡ ስረይ ስረኻ እንተይበልና ናይ ይቕረታ ሰባት ብምኳን ንክርስቶስ ክንመስሎ ይግበኣና፡፡ ክርስቶስ እንዳሞተ ከምዘሸነፈ ንሕና እውን እንዳሞትና ከነሸንፍ ይግበኣና፡፡ ኣቦና ነቶም ዝቐትልዎ ዝነበሩ ንሕስያ ዘይብሎም ጨከንቲ ምሕረት ከም ዝለመነሎም፣ ንሕና እውን ነቶም ኣብ ልዕሌና ኽፉእ ዝሸርቡ ኣብዚሕና ምሕረት ክንልምነሎም ይግበኣና፡፡ እዞም ኣብ ልዕሌና ኽፍኣት ዝሠርሑ ወገናትና እታ ኽፍኣቶም ካባና ንላዕሊ ነኣዓቶም ከም እትጎድኦም ኣፀቢቕና ክንርዳእ ይግበኣና፡፡ ፍቱዋት! ምሕረት ምግባር ንክርስቶስ ምምሳል እምበር ናይ ስንፍና ምልክት ኣይኮነን፡፡ 

ምሕረት ምግባር ማለት ግና ይቕረታ ምግባር ጥራሕ ዝተወሰነ ኣይኮነን፡፡ ከምቲ ኣቐዲምና “ምሕረት እግዚኣብሄር ኣዒንቲ ዕዉራት የብርህ! ኣእዛን ፀማማት ይኸፍት!” ኢልና ዝተዛረብና ንእሱራት ከም ማእሰርቶም እንትንከውን፣ መከራ ንዝፀግቡ ከምኣቶም መከራ ንቕበል ከም ዘለና ገይርና እንትንሓስበሎም ምሕረት ገበርና ይበሃል /ዕብ.13፡3/፡፡ ናይ ኣሕዋትና ስቓይ ስቓይና እንትኸውን፣ ናይ ኣሕዋትና ጥምየት ጥምየትና እንትኸውን፣ ናይ ጎረቤትና ፅምኢ ናሃትና ፅምኢ እንትኸውን ምሕረት ገበርና ይብሃል፡፡ ከምዚኣ እንትንገብር እቲ ናይ ምሕረት መዝገብ ዝኾነ ጎይታና ኣብታ ስቓይና ምሕረት፣ ኣብታ ጥምየትና ዕግበት፣ ኣብታ ፅምእና ከኣ ርውየት ይህበና፡፡ ኣብዚሕና ናይ ምሕረት ዘርኢ እንትንዘርእ ኣብዚሕና ከኣ ናይ ምሕረት ምህርቲ ንሓፍስ፡፡ እቲ ናይ ወንጌል ቃል ከምዚ ይብል፡- “እቲ ንሓደ ካብዞም ዝነኣሱ ኣሕዋተይ ዝገበርክምዎ ንኣይ ከም ዝገበርክምዎ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” /ማቴ.25፡40/፡፡ ብካልእ አዘራርባ ነቲ ድኻ ሰብ ኬድና እንትንሪኦ፣ ነቲ ሕሙም ኬድና እንትንሓቶ፣ ነቲ ዝዓረቐ በፂሕና እንትንከድኖ፣ ነቲ ዝሓዘነ ኬድና እንትነፅናዕንዖ ምሕረት ገበርና ንጎይታና ከኣ ገበርናዮ ይብሃል፡፡ እግዚኣብሄር ክንሠርሓሉ ዝሃበና ኢድን እግርን፣ ክንሓስበሉ ዝዓደና ልቢ ኣሕዋትና ንክንረድኣሉ ከምኡ ከኣ ናይ ባዕልና ድኅነት ክንሠርሓሉ እዩ /ፊል.2፡13/፡፡ እወ! እቲ ካብ ኩሉ ዝበለፀን ዝዓዘዘን ምሕረት ማለት እዚ እዩ /ሆሴ.14፡3/፡፡ 

ፍቱዋት! ካብዚ ዝቐለለ ትእዛዝ እንታይ ኣሎ? ብምስትውዓል እንትንሪኦ እኮ እግዚኣብሄር “ሓሚመ ኣየድሓንኩምንን” ዘይኮነስ “ሓሚመ ኣይበፃሕኩምንን” እዩ ዝብለና፤ “ተኣሲረ ኣየፍታሕኩምንን” ዘይኮነስ “ተኣሲረ ኣይበፃሕኩምንን” እዩ ዝብለና፤ “በብዓይነቱ ዝኾነ መስተ ኣየቕረብኩምለይን” ዘይኮነስ “ሓንቲት ብርጭቆ ዝሑል ማይ” እዩ ዝብለና፤ “በብዓይነቱ ዝኾነ መኣዲ ኣይሃብኩምንን” ዘይኮነስ “ሓንቲት ኩላሶ ባኒ” እዩ ዝብለና፡፡ እሞ ካብዚኣ ዝንኣሰት ደኣ እንታይ ኢና ክንገብር? እዚኣ ምግባር ኣብያትና ምኽንያት ነቕርብ እንተድኣ ኮይንናስ ከመይ ዝበለ ምሕረት እዩ ክግበረልና? ሽሕ ግዘ ድኻታት እንተኾንና ካብታ ክልተ ሳንቲም ዝሃበት ድኻ መበለት ኣይንብእስን /ማር.12፡43/፤ ሽሕ ግዘ ዋላ ዘይተምሃርና እንተኾንና ካብ ጴጥሮስን ዮሃንስን ዝብኣስና “ዘይተምሃርናን ጭዋታትን” ኣይንኸውንን /ሓዋ.4፡13/፡፡ እዚኣቶም ግና ምሕረት ንምግባር ናይ ዘልኣለም መንግሥቲ ከኣ ንምውራስ ምንም ኣይከልከሎምን፡፡

እስኪ ብደንቢ ነስተብህሎ! እተን ኣብ ላዕሊ ዝተዛረብናየን ብጣዕሚ ቐለልቲ ምሕረታት ስለ ዝገበርና እኮ “ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት! እቲ ዓለም ክፍጠር እንተሎ መንግሥቲ ክትወርሱ ንዑ” ኢና እንብሃል፡፡ እዚአን ካብ ምግባር


ተኸልኪልና ሕሱማት እትንከውን ግና “ኣቱም ርጉማት! ካባይ ርሒቕኩም (ካብ መጀመርታኡ ናዓኻትኩም ዘይኮነስ) ንሰይጣንን ንመላእኽቱን ዝተዳለወ ናይ ዘልኣለም ሓዊ ኪዱ” ንብሃል፡፡ ርጉማት እንኸውን እግዚኣብሄር ከምኡ ፈጢሩና ዘይኮነስ ብናህና ሕስመት ዝመጽእ እዩ፡፡ ነተን ናይ ኣቦ ብሩኻት ዘብላና ትእዛዛት እኳስ ብናይ ባዕልና ፃዕሪ ጥራሕ ኣይንሰርሐንን፡፡ ምኽንያቱ ቃል ኣምላኽ፡- “ብጀካይ ሓንቲት እኳ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም” እዩ ዝብለና /ዮሐ.15፡5/፡፡ እምብኣር ከስ ጸጋ እግዚኣብሄር ከምዚ እንዳረድኣና እንዳሃለወ “ኣነ ከምዚ ዝኣመሰለ ምግባር ኣይክእልን እየ” ኢልና ንባዕላና ናይ ስንፍና ቃል ኣይንዛረቦ፡፡ እኳ ደኣስ ብንእሽቶ ተኣዚዝና ከኣ “ናይ ኣቦ ብሩኻት” ንኹን እምበር፡፡ እዙይ ንኽንገብር ንደቂ ኣዳም ብምፍቃር ወዲ ኣዳም ዝኾነ ክርስቶስ ብፀግኡ ይደግፈና አሜን፡፡

1 comment:

  1. እኔ ትግረኛ አልችልም ግን ...ግሩም ትምርት እንደሆነ አልጠራጠርም

    ReplyDelete

FeedBurner FeedCount